ሓድሕድ ብምድግጋፍ ብሓባር ንስጉም!

ኣብ ስደት ንዝርከቡ ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣድላዪ ሞያዊ ስልጠናታት ብምሃብ ከምኡ’ውን ዕድል ስራሕ ብምፍጣር ህይወቶም ንኽመርሑ ንሰርሕ።

ራእይና

ብፍልጠት ዝተሃንጸ : ገዛእርእሱ ዝኸኣለ ኣፍራዪ ዜጋ ምምልማል።

ተልእኾና

ንሕብረተሰብና ካብ ሎሚ ጽባሕ ዝሕሸሉ ባይታ ብፍልጠት ዝሰረቱ ሞያዊ ስልጠናታት አንዳሃብና ነዳሉ።

ስምና

ካቢ ብቋንቋ ብሌን ኮይኑ፡ ትርጉሙ ድማ "ሓግዝ" እዩ።

kabbee logo

ስለምንታይ ካቢ ቈይሙ

እዞም ነዚ ሰናይ ሓሳባት ዘበገስና ብኸቢድ መስገድል ናይ ስደት ሓሊፍና ሎሚ ኣብ ጹቡቕ መነባብሮ ዘለና ግዱሳት ኤርትራውያን ኢና። ነቲ ንሕና ዝሓለፍናዮ ከቢድ ጉዕዞን ዝኸሰርናዮ ግዜን እዞም ድሕሬና ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ከይደግሙዎ ብዓቢኡ ፤ እንተ ሓመቀ ካብዚ በጺሕናዮ ዘለና ደረጃ ክጅምሩ ብምባል ዝጀሚርናዮ እዩ።

ኣገልግሎታትና

ምስልጣን

ሞያ ንኸጥርዩ ንዝደልዩ፡ ዕድል ስራሕ ክረኽቡሉ ብዝኽእሉ ዝተጸንዐ ሞያዊ ስልጠናታት ንህብ።

ምዕጣቕ

ክልሰሓሰባዊ ትምህርቲ ንዝቐሰሙ ፤ ተግበራዊ ስልጠናታት ብምዕጣቕ ንስራሕ ድልዋት ከም ዝኾኑ ንገብር።

ምውፋር

ነቶም ኣቐዲምና ዘሰልጠንናዮምን ዘዕጠቕናዮምን ናይ ስራሕ መድረኽ ብምፍጣር ነውፍር።

ኣገልግሎታትና ንኹሉ ክፉት'ዩ!

ካቢ፡ ንዂሉ ኣብ ስደት ብፍላይ ድማ ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ንዝርከቡ ኣሕዋትን ኣሓትን ብፍልጠት ዝተሰነየ ሞያዊ ክእለት ከጥርዩ ንዝደልዩ ማዕጾና ክፉት እዩ።

ኣሳራርሓና

1.

ድሌት

ድሌትካ ኣንጺርካ ንምፍላጥ ዘኽእል ዕማማትና እዩ። ንዂሉ፡ ድሌት ፍልጠትን፣ ዕቤት ንለውጥን ንዘለዎ ሰብ ንቕበል።

2.

ዝምባሌታት ምልላይ

ነቶም ዝምባሌታቶም ዘየለለዩ፤ ዝምባሌታቶም ንምልላይ ንሕግዝ።

3.

ተመክሮ ምዕባይ

ክልሰሓሰባዊ ትምህርቲ ጥራይ ዘሎዎም፥ ኣብ ግብራዊ ስራሕ ብምዉፋር ተመክሮኦም ዘዕብዩሉ ባይታ ንፈጥር።

4.

ምውፋር ኣብ ስራሕ

ብዘለዎም ዉህሉል ፍልጠትን ተመክሮን ተጠቂሞም፤ ህይወቶም ንኽመርሑ ናብ ስራሕ ዓለም ነዋፍር።

ንብሩህ መጻኢ ኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣሕዋትን፡ ኣሓትን
ንግደስ!

እቲ ዝካየድ መደባት፡ ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ከም ስደተኛታት ኮይኖም ንዝነበሩ ዘለው፣ ኣብ ዘለውዎ ሃገራት ዝውሃብ እዩ። እዚ ስልጠናታት፡ ኣብ ዕዳጋታት ዓለም ምስ ዘሎ ጠለባት ሞያን ስራሕን፡ ኣብ ግምት ብምእታው፡ ተጠቀምቲ እዚ ዕድላት፣ ዝሓሸ ተወዳዳሪ ሞያዊ ዕድላት ንክረኽቡ ብዘኽእሎም መገዲ ዝተዳለወ እዩ።

ስእላዊ ታሪኽና

ታሪኽና

Generic placeholder image

ሚያዝያ ሓደ 2018

ኣብ ሚያዝያ ሓደ 2018፡ ኣብ ካርቱም ሱዳን፣ ብንኡስ ዓቕሚ ብዓሰርተ ክልተ ተማሃሮ፡ ብናይ ምምዕባል ዋሓዚ ገጻት ከምኡ ውን ረቂቕ ኣምራት ኮምፒዩተር ስልጠናታት ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ብምሃብ ጀሚርና።

Generic placeholder image

ነሓሰ 2018

ኣብ ነሓሰ 2018 ድሕሪ ናይ ሽድሸተ ወርሒ ጹዑቕ ስልጠና፤ ቀዳማይ ዙሪያ ስልጠና ብዓወት ዛዚምና። እዞም ዓሰርተ ክልተ ሰልጠንቲ ኣብ ዝቐጸለ መደብ ስልጠና ከም ተሓጋገዝቲ መማህራን ኣሳቲፍና።

Generic placeholder image

ሕዳር 2018

ኣብ ሕዳር 2018 2 ዙር ተወሳኺ ናይ ጽርበት ሓጺንን ዕንጸይትን ሞያዊ ስልጠና ብምውሳኽ ምስ ብርክት ዝበሉ ሰልጠንቲ ጀሚርና። ኣብ ለካቲት 2019 ድማ ብጠቕላላ ን148 ተማሃሮ ብዝተፈላለዩ ሞያዊ ስልጠናታት ኣመሪቕና።

Generic placeholder image

ምኽፋት ጨናፍር

መደብና ብምስፋሕ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ካርቱም ጨንፈር ብምኽፋት ንልዕሊ 650 ተማሃሮ ሒዝና ተወሳኺ ናይ ቋንቋ እንግሊዘኛ ስልጠና ብምትእትታው መደብና ቀጺልና።

Generic placeholder image

ስልጠና ኣብ ግብጺ

ኣብ ሱዳን ከይትሓጸርና፡ ኣብ ግብጺ ንዝርከቡ ን180 ዜጋታት ውን ናይ ቋንቋ እንግሊዘኛ ስልጠና ብምሃብ ሓደ ዙር ኣመሪቕና።

Generic placeholder image

ተወሳኺ ስልጠና

ዝቐጸለ ዙር ኣብ ልዕሊ እቲ ዝነበረ ስልጠና ተወሳኺ ኣርትዖት ቪድዮን ግራፊክስን ብምውሳኽ ንልዕሊ 282 ተማሃሮ ኣመሪቕና።

ኣባላትና

ብውሽጣዊ ዓቕሚ ዝተመልመሉ

ኣባላትና ብቑጽሪ ብርክት ዝበሉ ኮይኑም ኣብ ሱዳን፡ ኢትዮጵያ፡ ኡጋንዳ፡ ጀርመን፥ ፊንላንድ፥ ጥሊያን ዝርከቡ`ዮም።

team people

Solomon Hailemolokot

Chief Technology Officer (CTO)
team people

Habtom Shimondi

Chief Operating Officer (COO)
team people

Minassie Keleta

Chief Financial Officer (CFO)
team people

Sirak Hadera

Chief Legal Counsel
Soliana Yemane team photo

Soliana Yemane

Legal Counsel
team people

Seid Saleh

Art Director
team people

Mussie Samson

Campaign Coordinator
team people

Fikru Araya

Campaign Coordinator
team people

Luwam Yemane

Scrum Master
team people

Mihret Gebremichael

AWS Developer
team people

Daniel Mehari

Release Manager
team people

Abraham Tekeste

Product Owner
team people

Nahom Gebreamlak

Mobile App Developer
team people

Gezae Goitom

Mobile App Developer
team people

Tesfabrhan M. Naizghi

Mobile App Developer
team people

Simon Alema

API Team Lead
team people

Noel Kidane

API Developer
team people

Awet Weldehaimanot

API Developer
team people

Aron Ghirmai

API Developer
team people

Tomas Yemane

Web App Team Lead
team people

Alem Russom

Web App Developer
team people

Flimon Kidane

Web App Developer
team people

Robel Semere

AWS Team Lead
team people

Micheal Tekeste

AWS Developer
team people

Shalom Berhane

Machine Learning Developer
team people

Yonatan Tesfaslassie

AWS Developer
team people

Yonas Babulet

Quality Assurance Team Lead
team people

Ghirmai Keleab

Quality Assurance (Tester)
team people

Hagos Yacob

Quality Assurance (Tester)
team people

Nuguse Tuluk

Quality Assurance (Tester)

ህልው ንጥፈታትና

ኣብዚ እዋን'ዚ መስርሕ ስልጠና ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ደው ኢሉ እኳ እንተሃለወ ፤ ካቢ ብውሽጣዊ ምልመላ ዓቕሞም ዝደለቡ ኣባላት ኣቚምና ናይ ሞባይል ረቂቕ ኣምራትን/ፍርያትን (Mobile applications) ከምኡ ውን ዋሓዚ ገጻት (Web applications) ኣብ ምምዕባል ንርከብ ኣለና።

ርኸቡና

ደውሉልና

+1 (408) 930-9101

ኢ-መይልና

support@kabbee.org